maryamtsiontesfaxion
Oct 19
222
3.9K
15
140%
ምስ ኣባላትን መራሒ ኣግኣዝያን እቲ ፍሉይ ፍቕሪ!! እቲ ፍሉይ ፍቕሪ - ሃንቀውታ ነበረ እቲ ሃንቀውታ - ናይ መዋእላት ነበረ እቲ መዋእላት - ብመሪር መስዋእቲ ይሕለፍ ነበር እቲ መስዋእቲ - ምእንቲ እቲ ፍሉይ ፍቕሪ ነበረ እቲ ፍሉይ ፍቕሪ - ንቐንዴል ነበረ። እቲ ፍሉይ ፍቕሪ!! ብርሃን ናይ ቐንዴልና - ፍጥነቱ ተኣምር ካብ ሰማይ ነቒሉ - ኣኽራናት ዝሰግር ጨንፈራት ጭራኡ - ብመንፈስ ዘንበልብል ንልቢ ጋሊሁ - ምስ የሕዋት ዝጽንብር ዓይኒ ዘለዎ ይርአ - ልቢ ዘለዎ የስተብህል። እቲ ፍሉይ ፍቕሪ!! እቲ ፍሉይ ፍቕሪ - ምእንቲ እምነት ነበረ እቲ እምነት - ኦሪት ነበረ ኣብ ኦሪት - ትምኒት እግዚኣብሄር ነበረ ትምኒት ኣግዚኣብሄር - ሸውዓት ዝጨንፈራ ቐንዴል ነበረ ንድፊ‘ታ ቐንዴል - ንባዕሉ ካብ እግዚኣብሄር ነበረ እምበኣር! ነዛ ቐንዴል‘ዚኣ - ምእማንን ምፍቃርን ብመሰረቱ ጸጋ ነበረ። እቲ ፍሉይ ፍቕሪ!! ፍቕሪ ናይዛ ቐንዴል - መሃነን ኣለዎ እንክትርእያ እናሻዕ - ስቕ ኢልካ ትፈትዎ ንኹልና ሓደ - የብላን ኣድልዎ። እንክትሕዛ ኣብ ኢድካ - ናትካየ ትብለካ ቐንዴል‘የ ሕዘኒ - ብርሃን ናይ ልብኻ እንተ ተኸደንካኒ - ከምታ ነጸላኻ እንተ ኣንበልበልካኒ - ኮይነ ባንዴራኻ ግርማ ወሰኽኩልካ - ክንዲ‘ታ ፍቕሪኻ ውሉድ ምድረ-ግእዝ - መጺኡ ግዜኻ ውሉድ ምድረ-ግእዝ - ተሓበን ኣጆኻ። እቲ ፍሉይ ፍቕሪ!! እቲ ፍቕሪ - ምእንቲ ሓደ መንነት ነበረ እቲ መንነት - ሰረቱ ሓያል ስርዓተ-እምነት ነበረ እቲ ስርዓተ-እምነት - ብቡዙሓት ጸላእቲ ይፍተን ነበረ እቲ ፈተና - ብናይ ሓባር ቅልጽም ይሰዓር ነበረ ፍቕሪ ቐንዴልና እምበኣር - መርኣያ ናይዚ ሓያል መንነታዊ - ሓድነት ነበረ። እቲ ፍሉይ ፍቕሪ!! ኣኻኺብክና ቐንዴል - ኣብ ሓደ ኣደራሽ ካብ ናቕፋ ኣትሒዝካ - ክሳብ ኣለውሃ-ምላሽ ብንጹር ዕላማና - ዝጭበጥ ዝድህሰስ ስልጣኔ ምድረ-ግእዝ - ደጊምና ክንምለስ ንለዓል ኩላትና - ቃላትና ነሐድስ። @ሳሮን ጓል ሃገረ-ሓማሴን🕎☸️ @King ሓማ-ጭደድ🤴👑💜☦️✅ @Solomon {zezi} @ደሳለ ዘ-ሃገረ ሓማሴን @ኳዜናይ ወዲ'ቶም ሻዕብያ/ሃገረ ሓማሴን @ጸጋይ ብርሃነ ግንቦት 24/05/1991
maryamtsiontesfaxion
Oct 19
222
3.9K
15
140%
Cost:
Manual Stats:
Include in groups:
Products:
